ህዝባዊ ምርጫ

ሓደ ህዝባዊ ምርጫ እቶም መረጽቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሕቶ ሓደ ብቐጥታ መርገጽ ዝወስድሉ ምርጫ እዩ። እንድሕር ሓደ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ምሉእ ሃገር ክካየድ ኮይኑ ባይቶ እዩ ዝውስን። ህዝባዊ ምርጫታት ኣብ ምምሕዳራትን ኣውራጃታትን እውን ክካየድ ይከኣል እዩ።

ኣብ ሽወደን ንኹሉ እቲ ሃገር ዝምልከት ክልተ ዓይነት ህዝባዊ ምርጫታት ኣሎ፡ ሃገራዊ ምርጫታት ተባሂሎም ይስመዩ። እቲ መኻሪ ግደ ዘለዎ ሃገራዊ ምርጫታትን እቶም ንሕገ ምንግስቲ ሕቶ ኣብ ሽወደን ዝምልከቱ ህዝባዊ ምርጫታት ኣብ ውሱናት ኩነታት ቀየድቲ ክኾኑ ዝኽእሉን እዮም። ኣብ ሽወደን ብዛዕባ ሓደ ሕገ መንግስቲ ህዝባዊ ምርጫ ፈጺሙ ተኻይዱ ኣይፈልጥን እዩ። 

ሃገራዊ ህዝባዊ ምርጫታት ፍሉያት ክኾኑ ኣለዎም። ስለ’ዚ እንድሕር ሓደ ሃገራዊ ህዝባዊ ምርጫ ኽካየድ ኮይኑ ኣቲ ባይቶ ጥራይ እዩ ክውስን ዝኽእል።

እንድሕር እቲ ባይቶ ሓድ ሃገራዊ ህዝባዊ ምርጫ ኽካየድ ኣልዎ ኢሉ ወሲኑ ድሕሪኡ ጥራይ ነቲ እዋናዊ ህዝባዊ ምርጫ ዝምልከት እማመታት ዝምልከት ሓደ ፍሉይ ሕጊ ይረዓም። ኣብኡ ንኣብነት ኣየናይ ሕቶ ክቐርብ ከምዝለዎ ከምኡ’ውን እቲ ምርጫ ኣበየናይ መዓልቲ ኽካየድ ከምዘለዎ ይውሰን። እንተዘይኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓቢኡ ከም’ቲ ኣብ እዋን ናይ ባይቶ ምርጫ ንሃገራዊ ህዝባዊ ምርጫታት ሓደ ዓይነት ሕግታት እዩ ዝምልከት፡ ናኣብነት ብዛዕባ መሰል ምድማጽ፡ ምርጫ ወረዳ ንድምጺ ምሃብን።

ኣማኻሪ ህዝባዊ ምርጫታት

ሓደ ኣማኻሪ ህዝባዊ ምርጫ ቀያዲ ኣይኮነን። እንድሕር ብዛዕባ ሓደ ሕቶ እማኻሪ ህዝባዊ ምርጫ ተኻይዱ፣ ብዛዕባ እቲ ሕቶ ወሳኒ ውሳኔ ኣብ ባይቶ እዩ ዝውሰን። ግን እቲ ሓሳባት እቲ ምርጫ ቅድሚ ሓደ ናይ ባይቶ ውሳኔ መምርሒ ክህብ እዩ። 

ሽዱሽተ ሃገራውያን፡ ኣማኸሪ ህዝባዊ ምርጫታት

ኣብ ሽወደን ኣማኻኣሪ ሕዝባዊ ምርጫታት ምድላው ኣብ 1922 ዓመተ-ምህረት እዩ ተኣታትዩ ከምኡ’ውን ሽዑኡ እቲ ዓመት ብዝዕባ ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መስተታት ምኽልካል ተዘውቲሩ። ብጠቕላላ ሽዱሽተ ሃገራዊ ህዝባዊ ምርጫታት ተኻይዱ ኣሎ፡ ኣማኻሪ ህዝባዊ ምርጫታት ኣብ ሽወደን፡ 

  • 1922 ብዛዕባ ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መስተታት ምኽልካል።
  • 1955 ብዛዕባ ካብ ጸጋም-ናብ የማን ምዝዋር ምስግጋር  
  • 1957 ብዛዕባ ሓፈሻዊ ተወሳኺ ጥሮታ 
  • 1980 ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ጸዓት 
  • 1994 ብዛዕባ ኣባልነት ኣብ ሕቡራት ኤውሮጳ
  •  2003 ብዛዕባ ኤውሮ ከም ባጤራ ኣብ ሽወደን ምትእትታው። 

ምምሕዳራዊ ህዝባዊ ምርጫታት

ኣብ ምምሕዳራትን ኣውራጃታትን ህዝባዊ ምርጫታት ምክያድ እውን ኣኽእሎ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ኣማኸርቲ እዮም።