ኣብ 1958 እቲ ምትሕብባር ንኣብነት ናብ ሕርሻውን ዕዳጋውን ፖለሲ ዝምልከት እውን ሰጊሩ እዩ። ኣብ 1967 እቲ ምሉእ ምትሕብባር ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀሚሩ።
ምስ ግዜ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ዝነበረ ምትሕብባር ናብ ዝበዝሐ መዳያት ኣስፋሕፈሐ። 1993 እቲ ምትሕብባር ኤውሮጳ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይኑ። ብድሕሪኡ ሓደ ናይ ኣቑሑት፡ ኣገልጎት፡ ደቂ ሰባትን ርእሰማልን ውሽጣዊ ሓባራዊ ዕዳጋ ተምስሪቱ።
ኣብ 1999 ሕብረት ኤውሮጳ ቁጠባውን ገንዘባውን ሕብረት (ኤቁገሕ) ናይ ሓባር ባጤራ ኣተኣታትዩ። ዩውሮ ቅድም ከም ሓደ ኤለትሮኒካዊ ባጤራ ተኣታትዩ ኣብ 2002 ድማ ናይ ወረቐትን ሳንቲምን ኤውሮ መጺኡ። ሎሚ 20ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዩውሮ ከም ባጤራ ኣለወን። ሽወደን ኣብ ምትሕብባር ዩውሮ ኣይትሳተፍን እያ።
ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ብዙሓት ሃገራት እውን ኣባልት ሕብረት ኤውሮጳ ኮይነን እየን። ካብ መፋርቕ 1990ታት-ክሳብ 2013 ሕብረተ ኤውሮጳ ካብ 12 ናብ ዝበዝሐ 28 ኣባል ሃገራት ዓብዩ።
ሎሚ ሕብረት ኤውሮጳ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ኮይኑ ብሓባር ኣስታት 448 ሚልዮን ነበርቲ ኣለውዎም።