ኣፈ ባይቶ ኣብ ሽወደን ሓደ ሰብ ዝለዓለ ክመርጾ ዝኽል ጽፍሒ እይ። ብማዕርግ ኣፈ ባይቶ ድሕሪ መራሒ ሃገር፡ ማለት ድሕሪ ንጉስ፡ ግን ቅድሚ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ።
እቲ ኣፈ ባይቶ መን ቀዳማይ ሚኒስተር ከኸውን ዝብል ውጥን የቕርብ
ንኣፈ ባይቶ ኣገዳሲ ዕማም ለውጢ መንግስቲ ካብ ዝግፍጠረሉ እዋን ነቲ ድርድር ምምራሕን ውጥን ናይ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ምቕራብን እዩ። እዚ ንሽወደን ፍሉይ እዩ። ኣብ ካልኦት ባይቶኣዊ ዲሞክራስያውያን መብዛሕትኡ ጊዜ ንለውጢ መንግስቲ ዝመርሕ መራሒ ሃገር እዩ።
ኣፈ ባይቶ ካብ ፖለቲካዊ ስራሕ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ እዩ። ኣፈ ባይቶ ሓደ ዝተመርጸ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ እዩ፡ ግን ከም ኣፈ ባይቶ ኣብ ስራሕ ኮሚቴ ወይ ክትዓትን ድምጽታት ምሃብን ኣይሳተፍን እዩ። እቲ ኣፈ ባይቶ ነዚ ዝገብር ተካኢ ኣለዎ።