ምርጫ ናብ ባይቶ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይ ሰንበት ወርሒ መስከረም፡ ምርጫ ናብ ባይቶ ሽወደን ይግበር። ሽዑኡ ኣብ’ቲ መዓልቲ ናብ ኣውራጃታትን ምምሕዳራትን እውን ምርጫ ይካየድ እዩ።
እቲ ባይቶ ኣብ ሽወደን እቲ ዝልዓለ ወሳኒ ጉባኤ እዩ፣ ዕማማት ባይቶ ብዛዕባ ሕግታታትን ናይ ሃገር ባጀትን ምውሳን የጠቓልል። እቲ ባይቶ መንግስቲ ስርሑ ከመይ ከምዝኣለይ እውን ይቆጻጸር እዩ።
ኣብ ናይ ባይቶ ምርጫ 2022 ዓመተ-ምህረት ካብ’ቶም ናይ ምርጫ መሰል ዘለዎም 84,2 ካብ ሚእቲ መሪጾም። ዝመጽእ ዘሎ ተራ ምርጫ 2026 ዓመተ-ምህረት እዩ።
ናይ ሽወደን ስርዕተ ምርጫ ተመጣጣኒ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ሓንቲ ሰልፊ ኣብ ባይቶ ትረኽቦ ቁጽሪ ቦታ ካብ’ቲ ምርጫ ናብ ባይቶ ዝረኸበቶ ድምጽታት ይመጣጥን ማለት እዩ። ኣብ’ቲ ባይቶ መዝነት ዝበሃሉ ዝከፋፈሉ 349 ቦታታት ኣለው። እቲ ቀንዲ ሕጊ ሓንቲ ሰልፊ ምእንቲ ናብ ባይቶ ክትኣቱ እንተወሓደ 4 ካብ ሚእቲ ካብ’ቶም ድምጽታት ክህልዋ ኣለዎ።
ሽወደናውያን ዜጋታት ኣብ ናይ ባይቶ ምርጫ ክመርጹን ክወዳድሩን ይኽእሉ እዮም
እቲ ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎ፡ እንተደንጎየ ኣብ መዓልቲ ምርጫ 18 ዕድመ ዝመልአ ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን ህዝባዊ ምዝገባ ዘሎን ዝነበረን፣ ኣብ ናይ ባይቶ ምርጫ መሰል ምድማጽ ኣለዎ።
እቲ ኣባል ባይቶ ንኽምረጽ ዝደልይ ኣብ ናይ ባይቶ ምርጫ ናይ ድምጺ መሰል ክህልዎ ኣለዎ ከምኡ’ውን ተሓጽዮ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ከኣ ብሓንቲ ፖለቲካዊት ሰልፊ ከም ሕጹይ ተመዚዙ ማለት እዩ። እቲ ዝሕጸይ ኣቐዲሙ ንኽሕጸይ ሕራይ ኢሉ ክኸውን ኣለዎ።
ሓደ ናይ ባይቶ መዝነት ግላዊ እዩ። እንድሕር ሓደ ኣባል ሽማግለ ኣብ እዋን ምርጫ ውድቡ ክገድፍ መሪጹ ንሳ ወይ ንሱ ኣብ’ቲ ባይቶ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፡ ግን ብዘይ ውክልና ናይ ሓደ ሰልፊ።
እቲ ኣብ ባይቶ እኹል ቦታ ዝረኸበ ሰልፊ ወይ ሰልፍታት ምእንቲ ንፖለቲክኡ ደገፍ ክረክብ መንግስቲ የቕውም። ኣዚ ባይቶኣውነት ይበሃል።
ሰልፍታት ኣብ ባይቶ 2022–2026
ኣብ እዋን ምርጫ ኣብ ባይቶ 2022–2026 ሸሞንተ ሰልፍታት ተወኪለን ኣለዋ። እተን ሰልፍታት ድሕሪ ናይ 2022 ዓመተ ምህረት ምርጫ ዝረኸበኦ ቁጽሪ ቦታታት፡ መዝነት ኣብ’ዚ ታሕቲ እነሆ፡
- ሶሻልደሞክራተርና (አስ) 107 መዝነት
- ስቨሪየደሞክራተርና (አስድ) 73 መዝነት
- ሞደራተርና (አም) 68 መዝነት
- ቨንስተርፓርቲየት (ቨ) 24 መዝነት
- ሰንተርፓርቲየት (ሰ) 24 መዝነት
- ክሪስትደሞክራተርና (ኮደ) 19 መዝነት
- ሚዮፓርቲየት (አምፐ) 18 መዝነት
- ሊበራለርና (አል) 16 መዝነት