ምርጫ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ባይቶ ኤውሮጳ ዝካየድ ምርጫታት ኣሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጵ ወይ ምርጫ ኤውሮጳ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሽዑኡ ሽወደን ዜጋታትን እተን ካልኦት ሃገር ሕብረት ኤውሮጳን ዝሳተፉ ከምኡ’ውን ኣብ’ ባይቶ ውሳኔ ዝውስኑ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ኣባላትን ይመርጹ። ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2029 እዩ።
ባይቶ ኤውሮጳ እቲ እንኮ ብቐጥታ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ብቐጥታ ዝምረጽ ኣቕዋም እዩ። ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ካብ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ 720 ኣባላቶም እዮም ኮፍ ዝብሉ። ካብ ሓንቲ ሃገር ክንደይ ኣባላት ከምዝመጹኡ እብ’ቲ ብዝሒ ህዝቢ እዩ ዝምርኮስ። ሽወደን 21 ኣባላት ኣለውዋ።
መሰል ምርጫ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ
ኣብ’ቲ ናይ ሽወደን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መሰል ዘለዎ እቲ ኣብ መዓልቲ ምርጫ 18 ዓመት ዝመልአ ብተወሳኺ እውን
- ሽወደናዊ ዜጋ ወይ ኣብ ሽወደን ህዝባዊ ምዝገባ ተምዝጊቡ ነይሩ፡ ወይ
- ናይ ካልእ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ዚጋ ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ኮይኑ 30 መዓልቲ ቅድሚ መዓልቲ ምርጫ ናብ ናይ መራጺ መዝገብ ዘመልከተ እዩ።
መዝገብ ድምጺ ኣብ ሓደ ፍሉይ ምርጫ ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ሰባት ዝርዝር እዩ።
እቲ ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ንሽወደናዊ ኣባል ኮይኑ ክምረጽ ዝደሊ፡ ኣብ’ቲ ምርጫ ናይ ምድማጽ መሰል ክህልዎን ክሕጸይን፡ ብሓደ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ከም ሕጹይ ክምዘዝ ኣለዎ ማለት እዩ።
እቲ ሽወዳናዊ ዜጋ ኮይኑ ኣብ ካልእ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ዝኾነ ኣብ ምርጫ ናይ’ታ ሃገር ናብ ምርጫ ናይ ባይቶ ኤውሮጳ ከድምጽ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ምእንቲ ናይ ምምራጽ ኣኽእሎ ክህልዎ ናብ ናይ’ታ ሃገር ናይ መራጺ መዝገብ ምምልካት ከድልዮ እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብዝተፈላልየ ኣገባብ እዩ ዝሰርሕ።
ኣቐዲማካ ወይ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ምምራጽ ይከኣል እዩ
ኣብ ሽወደን ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣውራጃታትን ምምሕዳራትን እዩ ዝካየድ። እቲ መሰል ምርጫ ዘለዎ ሓደ ናይ መድመጺ ካርድ ናብ ሳጹን ጶስጥኡ ኣብ ገዝኡ ይመጽኦ፣ ደሓር ኣቐዲሙ ወይ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ከድምጽ ይኽእል።
ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሽወደናውያን ዜጋታት ድምጾም ብጶስጣ ክሰዱ ወይ ኣብ ናይ ሽወድን ኤምባሲታትን ቆንስላትን ብኣካል ከድምጹ ይኽእሉ እዮም።
Other languages on the website of The Swedish Election Authority