ስራሕ ኣብ ባይቶ

ባይቶ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝምረጹ 349 ኣባላት መሪሕነት ኣለዎ። ቤት ምኽሪ ሽማግለ ናይ ባይቶ ልቢ እዩ ግን ብዙሕ ካብ’ቲ ፖለቲካዊ ስራሕ ኣብ’ቶም ናይ ሰልፊ ጉጅለታትን ኣብ’ቲ ኮሚቴን ይካየድ እዩ።

እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብባይቶ ቁጹራት ኣይኮኑን እንታይ ደኣ ብመረጽቶም ዕማም ተዋሂቦም እዮም ኣብ ትሕቲ ሓደ ዝተወሰነ ግዜ ኣብ ባይቶ ኮፍ ዝብሉ። ስለዚ እዮም ከኣ ሓደ ክፍሊት እምበር ደሞዝ ዘይወሃቡ።  ሓደ ኣባል ባይቶ ለይትን መዓልትን ዓመት ምሉእ እዩ ዕማሙ ዝፍጽም።  እቲ ዕማም ኣብ ባይቶ ምስራሕ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ንኣብነት ኣብ’ቲ ኣባል ባይቶ ዝተመርጸሉ ምርጫ ዞባ፡ ኣብ ካልእ ቦታትት ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እውን ክፍጸም ይኽእል።   

እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ 81 400 ኮሮና ኣብ ወርሒ ግብሪ ዝኸፍሉሉ ሓደ መሰራታዊ ክፍሊት ኣለዎም።  

ኣብ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ኣቶም ኣባል ባይቶ ተዛትዮም ውሳኔ ይውስኑ

እቲ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ወይ ምሉእ ኣኼባ ኣዳራሽ፡ ናይ እቲ ባይቶ ልቢ እዩ። ኣብ’ዚ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብዛዕባ ኣገደስቲ ሕቶታት ይካትዑ ኣብ’ዚ እዩ ከኣ እቲ ባይቶ ውሳኔ ዝውስን።

ካብ’ቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ክትዓት ዝግበረሎም ጉዳያት፡ ብዛዕባ ዝተአልየ ጉዳይ ምስ ውልቀ ሚኒስተራት ናይ ምጽራይ ሓተታን ናይ ሕቶ እዋናት ምስ መንግስትን ይካየድ። ዓበይቲ ክትዓት ንኣብነት ከም ናይ መራሒ ሰልፊ ክትዓት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመት ይደጋገሙ እዮም። እቶም ሰልፍታት እቲ ባይቶ ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ኣገዳሲ ሕቶ ክትዕ ከካይድ ክጠልቡ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ኮሚቴታት ንውሳኔታት የዳልዋ

ሓደ ዓቢ ክፋል ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ስራሕ ኣብ’ቶም ናይ ባይቶ ሰልፊታት ጉጅለታት ሰልፊን ኣብ’ቶም 15 ኮሚቴታትን እዩ ዝካየድ።  

እቶም ኣባላት ሓደ ሰልፊ ዝኾኑ ኣባላት ባያቶ ሓደ ናይ ሰልፊ ጉጅለ ይምስርቱ። ኣብ’ቶ ናይ ሰልፊ ጉጅለታት እቶም ኣባላት ባይቶ ኣብ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ደምዳሚ መርገጽ ቅድሚ ምውሳዶም፡ ነቶም ኩሎም ኣገደስቲ ሕቶታት ይዛተዩሎም። 

ኣብ’ተን ሽማግለታት እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንኹሉ እቲ ባይቶ ዝውስኖ ውሳኔታት የዳልዉ። ሓደ ኮሚቴ እማመ ምስ ኣቕረበ፡ ኩሎም 349 ኣባላት ባይቶ ኣብ’ቲ እማመ መርገጽ ክሕዙ እዋኑ እዩ። 

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኮሚቴ 17 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እዮም ኮፍ ዝብሉ። እቲ ኮሚቴ ከም ሓደ "ንሽቶይ ባይቶ" እዩ፡ እዚ ድማ ኣቃውማ ሃገራዊ ባይቶ መልክዕ የንጸባርቕ ማለት እዩ። እቲ ዝዓበየ ሰልፊ እውን ኣብ ነብሲ ወከፍ ኮሚቴ ዝበዝሐ ወንበር ኣለዎ። 

ኣብ ኮሚቴ ሕብረት ኤውሮጳ እቲ መንግስቲ ነቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፖለሲኡ መልሕቕ ይገብሮ።  መንግስቲ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃገራትን መንግንስትን ሕብረት ኤውሮጳ ርክብ ቅድሚ ምክያደም ምስ ኮሚቴ ሕብረት ኤውሮጳ ክመኻኸር ኣለዎ።   

About the page

Published
Changed