ሕብረት ኤውሮጳ እዚ እዩ
27 ሃገራት እየን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባላት፡ ሕኤ። ሽወደን ኣብ ዕለት 1 ጥሪ 1995 እያ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኮይና። ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብዙሓት ቁጠባውን ፖለቲካኣውን ሕቶታት ይተሓባበራ እየን።
ሃገራት-ሕኤ ንኹለን ኣብ ሕኤ ዘለዋ ሃገራት ዝምልከት ሕግታት ሓቢረን እየን ዘቕርባ። ውሳኔ ብዛዕባ ሓደሽቲ ሕኤ-ሕግታት መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ባይቶ ኤውሮጳን ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን እዩ ዝውሰድ። ቅድሚ ውሳኔታት ምውሳኑ ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳን ነንሕድሕዶም ይዛተይን ይላዘቡን እዮም።
መንግስቲ ሽወደን ይኹን ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ-ሕግታት ምቕራብን ምፍጻምን ስራሕ ይሳተፉ እዮም። ኣብ ሽወደን እቲ መንግስቲ፡ ሃገራዊ ባይቶን መንግስታውያን ሰበ ስልጣንን እዮም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ-ሕግታት ከምዝተኣታቶ ዘረጋግጹ።
ከም ሽወደናዊ ዜጋ በቶም ኣብ ምርጫ ናብ ሃገራዊ ባይቶን ናይ ባይቶ ኤውሮጳን ትመርጾም ኣባላት ገይርካ ወይ ብኻልእ እገባብ ርእይቶታ ብምህናጽን ነቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምትሕብባር ክትጸልዎ ትኽእል ኢኻ።
መሰላት ከም ዜጋ ሕብረት ኤውሮጳ
እቲ ኣብ ሓንቲ ሕኤ-ሃገር ዜጋ ዝኾነ ዜጋ ሕብረት ኤውሮጵ እውን እዩ፡ ዜጋ-ሕኤ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ዝተፈላለየ መሰላት ይህብ። ዜጋ-ሕኤ ንኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ክገብሩ ይኽእሉ፡
- ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ኮፍ ዝብሉ ፖለቲከኛን ምምራጽ
- ኣብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውርጳ ብነጻ ምጋሽ ወይ ምምሃርን ምስራሕን
- ኣብ እዋን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ መገሻ ካብ ናይ ካልእ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሃገር ኣምባሳዶር ሓገዝ ምርካብ
- ናብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተቕዋማት ብሓደ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዕላዊ ቋንቋ፡ ንኣብነት ቋንቋ ሽወደን ገይርካ ደብዳቤ ልኢኽካ መልሲ ብቋንቋ ኣዴኻ ምርካብ።
- ብቋንቋ ኣዴኻ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕግታትን ሰነዳትን ምክፋል
- ኣንድሕር ብሓደ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተቕዋም ጌጋ ኣገባብ ኣብ ልዕለኻ ተፈጺሙ ኮይኑ ተሰሚዑካ ናብ ሓደ ናይ ሕብረተ ኤውሮጳ ወካሊ ጥርዓንካ ምቕራብ።
ሕብረት ኤውሮጳ እዚ እዩ ዝገብር
ሽወደንን እቶም ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንኣብ’ቲ ካብ ብውልቀን ብሓባር ዝሓሸ ውጽኢት ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና ኢለን ዝርየኦም ቁጠባውን ፖለቲካው ሕቶታት ይተሓባበራ እየን። ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሓባራዊ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ልዑል ንጥፈትን ዘላቒ ምዕባሌን፡ ውሽጣዊ ዕዳጋ ሓደ ሓደ ካብ’ቲ ናይ ምትሕብባር ሽቶታት እዮም።
እቶም መሰራታውያን ሕግታት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምትሕብባር ኣብ ውዕላት ዝበሃሉ ስምምዓት ተጻሒፎም ኣለው። ኣብ’ቶም ውዕላት ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ እንታይ ብኸመይ ኣገባብን ክውስን ከምዝኽል ይገልጹ። እቶም ውዕላት ምስ ናይ ሓንቲ ሃገር ቅዋማት ክመጣጠኑ ይኽሉ እዮም። ኩለን ሃገርት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ውዕላት ኣጽዲቐነኦ ስለዘለዋ ኽከታተሎኦ ኣለወን።
ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንኣብነት ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ይተሓባበራ እየን
- ዕዳጋ
- ኣውራጃዊ ምዕባሌ
- ናይ ሕርሻ ደገፍ
- ምርምር
- ጸዓት
- ናይ ሃዋህው ሕቶ
- ጸረ ገበን ምቅላስ
- ፖሊሲ ስደተኛታት
ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ኣይገብርን እዩ
ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይውስኖ ባዕለን ሓላፍነት ኣለወን። ገለ ኣብነታት ግብሪታት ኣታዊ፡ ክንክን ጥዕና፡ ቤት ትምህርቲ፡ ጥሮታታትን ናይ ህጻናት ረዲኤትን እዮም።