ደሞክራሲ

ደሞክራሲ ዳርጋ ህዝባዊ ምሕደራ ወይ ህዝባዊ ስልጣን ማለት እዩ። ሓደ መሰራትዊ ሓሳብ ብዛዕባ ደሞክራሲ እቲ ዜጋ ወይ ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብር ሰብ ኣታ ህገር ብኸመይ ንኽተመሓደር ሓሳቡ ንኽገልጽ ናይ ምስታፍ ኣኽእሎ ንኽህልዎ እዩ።  ከም ልሙድ ብስሩዓት ምርጫታት ይፍጸም። 

ካልእ ደሞክራስያዊ መሰራታዊ ሓሳብ ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ክብረትን ሓደ ዓይነት መሰላትን ክህልዎም ኣለዎም። ኣብ ሓደ ደሞክራሲ ህዝቢ ዘድለዮ ክሓስብን ሓስቡ ክገልጽን ኽእል ከምኡ’ውን ርይቶታቱ ብቃል ወይ ብጽሑፍ ብግልጺ ክገልጽ ክኽእል ኣለዎ። 

ደሞክራሲ ዝተፈላለየ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል እዩ

ደሞክራሲ ብዝተፈላልየ ዓይነት ክሰርሕ ይኽእል ከምኡ’ውን ደሞክራስያውያን ሃገራት ሃገር ብኸመይ ንኽትምራሕ ዝተፈላልየ ኣገባብ ይመርጻ። ኣዚ ድማ ኣቶም ተቐማጦ ኣብ ስርዓት ምርጫታት ዝውክሉዎምን ሃገር ዝመርሑን ፖለቲካውያን ይመርጹ። ሽወደን ሓደ ደሞክራሲ ብውክልና እያ ትመሓደር። 

እቶም ተቐማኣጦ ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ሕቶ ንኽውስኑ ዝሳተፉ ኮይኖም፡ ንኣብነት ኣብ ሓደ ህዝባዊ ምርጫ፡ እዚ ቀጥታዊ ደሞክራሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሽወደን ሃገራውያን ህዝባዊ ምርጫታት ተኻይዶም ኣዮም ንኣብነት ብዛዕባ ኑክለየሳዊ ጻዓትን ኣባልነት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን። እቲ ልሙዳት ዓይነታት ህዛባዊ ምርጫታት ኣብ ሽወደን መኻሪ ታራ እዩ፡ ይኹን እምበር እቶም ፖለቲከኛታት ነቲ ውጽኢት ክካታተሉ ግድነት ኣይኮነን።  

ንጉስ መራሒ ሃገር እዩ ግን ውሑድ ስልጣን እዩ ዘለዎ

እቲ ዝልዓለ ወኪል ናይ ሓደ ሃገር መራሒ ሃገር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሽወደን ሓደ ንጉስ ወይ ነጊሳ ዘላ ንግስቲ እዮም መራሕቲ ሃገር። ግን እቶም መራሕቲ ሃገር ኣብ ሽወደን ፖለቲካዊ ስልጣን የብሎምን፡ እንታይ ደኣ ብዓቢዑ ምስላዊ ተግባራት ጥራይ ኣዩ ዘለዎም።